ቮለንታሪ ስራሕ ኣብ ግዜ ኮሮና፡ ኣነ ንዓኻ ንስኻ ንዓይ!
ከም ሓደሽ መጻእተኛ ናብ ሀምስተደ ልክዕ ከም ኣብ ገዛኻ ዘለኻ ኮይኑ ምእንታን ክስምዓካ ብኹሉ ሽነኻት ሓገዝ ትረክብ ኢኻ። ማለት ኣብዚ ናይ ቋንቋ ምምሃር ፡ ከመይ ገርካ ትተኣኻኸብ፡ብኸመይ ስራሕ ትረክብ ወ.ዘ.ተ ሓገዝ ትረክብ ኢኻ። ምናልባት ውን ንስኻ ንኻልኦት ምሕጋዝ ድስ ዶ ይብለካ ይኸውን? ዳርጋ ነብሲ ወከፍ ሰብ ርግጸኛ ኢየ ንኻልኦት ሰብ ምሕጋዝ ከምዝደሊ። ብተወሳኺ ውን ከምኡ ምግባርካ ሓደሽቲ ሰባት ንምፍላጥን ከምኡ ውን ቋንቋ ነዘርላዲኻ ንምምሕያሽ ይሕግዘካ ኢዩ።እንደገና ኣብዚ ግዜ’ዚ ካብ ጽምዋ ምኳን የጋላግለካ ኢዩ።
ዝኾነ ነገር ክትገብሮ ደሰ ዝብለካን ከምኡ ድማ ኣበይ ብኸመይን ንኻልኦት ክትሕግዝ ትኽእል?
. ንኣብነት ምናልባት ካንሸሎ ምትዕርራይ ትፈቱ እንተኮንካ ናትካ ካንሸሎ እንተዘይብልካ ናይ ካልኦት ካንሸሎ ምትዕርራይ ክትሕግዝ ዶ ትደሊ?
. ንኻልኦት ሰባት ኣስበዛ ኣብ ምግባር ክትሕግዝ ትደሊ ዶ?
. ከልቢ ናይ ካልኦት ምዝዋር ትፈቱ ዶ?
. ምስ ካልኦት ሰባት ምዝዋር ትፈቱ ዶ?
. ዝኾነ ክእለት ኣለካ ዲዩ ከምኡ ውን ኣብ ወሽጢ ገዛ ናይ ካልኦት ንእሽተይ ስራሕ ክትሰርሕ ትደሊ ዶ?
ከምኡ እንተኾይኑ ኣብዚ ወብሳይት ኣቲኻ ርኣዮ https://heemstede.wehelpen.nl . ኣብኡ ኩሎም ዓይነት ሓገዝ ዘድሊዩ ክትረኽቦም ኢኻ።ኣብዚ ድማ እቲ ክትሕግዞ ትኽእል ነገር መልእኽቲ ግበር።ኣጋጣሚ ኮይኑ እዚ ወብሳይት ብነዘርላንድ ጥራይ ኢዩ ዘሎ ።ምናልባት ከንብቡልካ ዝኽእሉ ክትረክብ ትኽእል ዶ? ወይ ድማ ናብ vrijwilligerspunt@ wijheemstede.nl ኢ-መይል ክበሩ።