ኣብ Plein1 ናይ ህያብን ናይ ዕላልን ግዜ ተኸፊቱ ኣሎ

ክሳዕ 23 ታሕሳስ 2022 ኩሉ ግዜ ረቡዑን ዓርቢን ካብ 10 00 – 12 00 ናይ ህያብን ዕላልን ዕዳጋ (ድኳን) ክህሉ ኢዩ ። እዚ ድኳን እዚ ነቶም ቦታ ዘይብሎም ካብ ደገ ዝመጹን  ዩክረይን ስደተኛታትን ዘለዎም ተቐማጦ ተባሂሉ እዩ ተዳልዩ ። ብናጻ (እተወፈየ) ህያባት ኪዕድጉ ይኽእሉ እዮም። ዝሓለፈ ረቡዕ ሳም መርሆፍ ዝስሙ ሽማግለ ነቲ ድኳን ብወግዒ ኸፈቶ ።
“ሰባት ንበዓላት ጽቡቕ ህያባትን ምዉቕ ክዳውንትን ክረኽቡ ተስፋ እገብር። ክትውፍዮ እትደሊ ባህ ዜብል ሓድሽ ወይ እተጠቐምካሉ ነገራት ኣሎካዶ ? ኣብ  Plein  1 ምጻእ ።
በዚ ኸምዚ ኸኣ ንዅሎም ፍሉያት ኣዋርሕ ክዀና ኢየን!’