
ለይላ ምስ እዚ ወብማስተር


ቃለ-ምሕተት ምስ ኢለን ( Ellen)
ካልእ ናይ እዚ መርበብ ሓላፊት
ኣብ ዝሓለፈ ቅሩብ ሳምንታት ምሰ ላይላ(Layla) ምልላይ ተኻይዱ ነይሩ።ሕጂ ድማ ምስ ካልእ ናይ ዚ መርበብ ሓላፊት ኢለን(Ellen) ክንዛራረብ ኢና።መኽንያቱ መርበብ ሓበሬታ ናይ ሓባር ስራሕ ኢዩ ላይላ(Layla) ንበይና ትሰርሖ ኣይኮነን።
ኢለን(Elen) ,መን ኢኺ ንስኺ፣ ብኸመይ ከ ኣብዚ ቦታ መጺእኪ፣
ሕራይ ፡ኣነ ሂወተይ ምሉእ ኣብ ሀምስተደ(Heemstede) ኢየ ዝነብር።ድሕሪ ናይ መድሃኒት መርማሪት ኮይነ ምስርሐይ፡ደቂ ደቀይ ኣብ ምእላይን ከምኡ ውን ቮለንታሪ ኣብ ናይ Ronald Mac Donaldhuis ኣብ ላይደን( leiden) ይሰርሕ።Ronald Mac Donaldhuis ማለት መንበሪ ቦታ ናይ ብከቢድ ሕማም ዝሓመሙ ደቆም ዝነብሩሉ ስድራቤታት ኮይኑ ናብ ሕክምና ወይ ሆስፒታል ዝቀረበ ወይ ጎረበይቱ ኢዩ። ከም ቮለንታሪ ሰራሕተኛ መጠን ዓራታት ተነጻጽፍ፡ትሓጽብ፡ከምኡ ውን ገዛ ትወጋግን ደስ ከምዝብል ትገብሮ።
ኣብ መሰከረም 2015 ብምምሕዳርና(Gemeente) ዝተዳለወ ናይ ሓበሬታ ምሸት ብዛዕባ ናይ ስደተኛታት ተሳቲፈ ነይረ።ኣብዚ ግዜ'ዚ ብዛዕብኡ ብዜና ብዙሕ ይበሃል ናይሩ፡ኣነ ድማ ምስ እዞም ሰባት ገለ ክገብር ነይሩኒ።ኣብቲ ሽዑ ምሸት እቲ ምምሕዳር ሓንቲ መድረኽ(platform) ምስ ኣቆመ ።ኣብዚ መድረኽ እዚ ድማ እጃምና ብኸመይ ነበርክት ተሓቲትና ።ኣነ ድማ ሽዑ ብቀጥታ ኣመልኪተ።
ብዛዕባ እዚ መድረኽ ስደተኛታት(platform vluchtelingen) ዶ ገለ ተወሳኺ ክትነግርና፣እቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዘሎ ዳርጋ ምሉእ ኣይኮነን።
ንሕና ነዞም ሓደሽቲ ተቀማጦ ናይ ሀምስተደ(Heemstede) ኣብ ገዘኦም ከምዘለዎም ኮይኑ ክስምዖም ንገብር።ንሕና ኣብዚ ምምሕዳርና ጽቡቅ ንኽነብሩ ኢና ክንሕግዞም ንደሊ።እዞም ናይ ኮምኒቲ ኣካየድቲ ናይ ስደተኛታት ንኹሉ ግዳያት ናይ መንበሪ ፍቃድ ዘለዎም ኢዶም ዘርጊሖም ይቅበልዎም ወይ ይተሓባብሩዎም ።እቶም ስደተኛታት ግዜ ኣብዘይብሎም ንሕና ክነሳልጠሎም ንደሊ።ብዙሕ ንጥፈታት ኢና ነካይድ ገለ ካብኡ ድማ ናይ ሻሂ መደብ፡ዝሮት ኣብ Meerpark ከም ኡ ውን ናይዚ ወብ ሳይት ምትዕርራይ።
እዚ መድርኽ(platform) እዚ ከባቢ 20 ዝኾኑ ቮለንታሪ ኣለዎ፡ግን ኣብ'ዚ ናይ ሓደ ምሸት ብሓንሳብ ዝተኣከብናኡ(ካልኣይቲ ሰኑይ ምሸት ናይ እቲ ወርሒ) መብዛሕቲኡ ግዜ ግን ሸሞንት ሰብኡት ወይ ኣንስቲ ኢና ንስተፍ።እቲ ሓደ ካብቲ ሓደ ይነጥፍ ከም ኩሉ ሰብ ማለት ኢዩ።ኢለን(Ellen) ትጽውዕ ኣላ።እንተ ዳኣ ኣብዚ ከነበርክት ወይ ክንሳተፍ ንደሊ ኢና ልኩም ፡ኣብዚ ናይ ምሸት እንገብሮ መደብ ምጹ ስምዑ ፡ተዛረቡ።እንተ ደኣ ከትመጹ ደሊኹም ብዚ ወብ-ሳይት ክትረኽቡና ትኽእሉ ።
ሲዒቡ ናይ ንኡሰ ኮሚተ ይመጽእ፡ቅድሚኡ ግን ንሕና ኣብ ኣብዚ ኣለና።ብኸመይ ኢኹም ነገራት ተቀምጥዎም፣
ባዕልና ኢና ንፈጥሮ ግን ብናይ ከባብያዊ ጋዜጣ ድማ ይጻረ ኢዩ።መብዛሕቲኡ ግዜ ሓደ ድሕሪ እቲ ሓደ ኢዩ ዝመጽእ።ብዝተኻእለ መጠን ሓበሬታ ብዛዕባ ጉዳያት ኣብ ጎረቤትካ ዘሎ ከምኡ ውን በዓላት ናይ ነዘርላደ ምስ ሓበሬትኡ ይህብ።ብፍላይ ድማ ናይ ናጻ ጉዳያት እንተሎ።ሰባት ገለ ነገር ዝገብሩሉ።መኽንያቱ ላይላ(Layla) ሓዳሽ ተቀማጢት ኢያ ካብ ደገ ወይ ወጻኢ ኢሮፓ ኢያ መጺኣ፡ንሳ ብዝተፈላለየ ዓይኒ ኢያ ትጥምት ካባይ ንላዕሊ።ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ዛዕባ(ኣርእስቲ) ኣብ ምምራጽ ወይ ድማ ዝተሓላልኸ ከይከውን ባዕላ ክትትል ትገብረሉ።
ብዝኾነ ሓሳባት የድልየና ኢዩ።ናይ ምጽሓፍ ጸገም የብሉን፡ኣነ ይገብሮ ኢዩ ፡ግን እቲ ኣገዳሲ ነገር ብዛዕባ እንታይ ትጽሕፍ ኢዩ።እቲ ጽቡቅ ነገር ናይዚ ወብ-ሳይት ኩሉ ኢቲ ጽሑፍ ብዓረበኛ ፡ኢንግሊዘኛ ፡ትግሪኛ ስለ ዝትርጎም ኢዩ።
ብሓፈሽኡ ፡ብዙሕ ግብረመልሲ ትረኽቡ ዶ፣
ብመንገድ እስታተስቲክስ እዚ ወብ-ሳይት እዚ ብዙሓት በጻሕቲ ኣለውዎ ፡ ግን ሰብ ከመይ ረኺብዋ ኣፈለጥናን ዘለና።
ሓደ ወብ-ሳይት ናይ ተክኒክ ጉዳይ ውን ኣለዎ ።ንስኹም ብከመይ ትሰርሕዎ፣
እዚ ወብ-ሳይት ብተማሃሮ ላዕለዋይ ትምህርቲ ሃርለም(Haarlem) ብኣላይነት ሓደ መምህር ኢዩ
ማዕቢሉ ተሰሪሑ ።እዚ ማለት ድማ ዋላ እቲ ምትዕርራይ ብኣኣቶም ኢዩ ዝካይድ።ይኹን ደኣ እምበር እዞም ናይ ላዕለዋይ ትምሕርቲ ነዚ ምትዕርራይ ብሞያዊ ክእለት ኢዮም ዝሰርሕዎ።
ኣብዚ ስራሕ እዚ ብዙሕ ግዜ ዶ ትጥፍኢ፣
ላይላን ኣነን ሓንቲ ክፋል መዓልቲ ቀዋሚት ኣብ ሰሙን ብሓንሳብ ኮይና ኣርእስቲ ንመርጽ ከምኡ ውን መደብ ንገብር።ቀጺሉ እቲ ዝተመርጸ ይጸሓፍ ወይ ኢዲት ይግበር።ኣነ ንኹሉ ናይ ነዘርላንድ ጽሑፍ ሓላፍነት ይወሲድ።ድሕርኡ ላይላ ብዛዕባ ናይ ምትርጋም ትካታተል።ከምኡ ውን ናይ ተክኒክ ጉዳይ ኣነ ይካታተሎ።እቲ ሰሙን ድማ ጽቡቅ ይኸውን።