ብዛዕባና

caret-down caret-up caret-left caret-right
Layla Kasparian

ለይላ ምስ እዚ ወብማስተር

ሓደ ወብሳይት ብቀሊሉ ዝጅመር ኣይኮነን።ቅድሚ ኣብ ኣየር ምምጽኡ ዳርጋ ሓደ ዓመት ኣቀዲምካ ኢኻ ትጅምሮ።ወብሳይት "መድረኽ ሀምስተደ" ኣብዚ ናይ ሀምስተደ መድረክ ወብሳይት ንኽጅመር  ድማ ኣዝዩ ክብድ ዝበለ ኢዩ ነይሩ።ግን ድማ ሰሊጡ።ሰዒቡ ድማ ሰባት  ክንረክብ ነይሩና ናብ ካልእ ቋንቋ  ዝትርጉሙላና።እዚ ውን ሰሊጡ፡ክፍሎም ነቶም ትግርኛ ዘንብቡ ይትርጉመሎም ማለት ናብ ናይ  ቋንቋ ኣዲኦም፡ዱረ ድማ ናብ እንግሊሽ ይትርጉም፡ኢለን ድማ ነዘርላንድስ ከምኡውን ላይላ ናብ ዓረብ  ትትርጉም።ላይላ እንደገና ኣዋሃሃዲት ናይዚ ወብሳይት ኢያ።ናይ ላይላ ግዜ ።
 
መጀመርታ ብሰፊሑ ናይ'ቲ ወብሳይት ስእሊ ተመሪጹ ዘሎ ንርኣዮ።ቀሊል ኣይኮነን ትብል ላይላ፡ናይ ናጽነት ጉዳይ ኢዩ።ኣብኡ ድማ ሓደሽቲ ኣግራብ ኣለው ።እዚ ድማ ምልክት ናይ ሓደሽቲ ተቐማጦ ናይ ሀምስተደ ኢዩ።ነብሲ ወከፍ ገረብ ክሳብ ጽቡቅ ጌራ ሱር ተውጽን ትድልድልን ትሕገዝ።ኣብ'ዚ ድማ ብዙሓት ሓገዝቲ ኣካላት  ይሕግዙና። ንኣብነት ናይ ስደተኛታት ኣለይቲ ፡ ናይ ገዛ መምሃራን፡ካብ ምምሕዳር ከምኡውን ካልኦት ሰባት።እቲ ስእሊ ብዓብዩ ብፍሉይ ናይ ነዘርላንድ  ጥምረት ፡ውህደት  ጽቡቅ ስራሕ ናይ ዝተፋላለየ  ክፍልታት ኢዩ።ኣነ ንባዕለይ ኣብ መወዳእታ ዝርኣኽዎ ''De  Meerlhorst" ዝበሃል  ቦታ ዓበይቲ ሰባት ዝእለይሉ ።እዚ ውን ከም ምልክት ክኸውን  ይኽእል  ኢዩ።እዞም ሓደሽቲ ተቐማጦ ድማ ተስፋ ይገብሩ ክሳብ ዝኣርጉ ኣብ ሀምስተደ ክህልዉ።
      ከመይ ኢዩ ነይሩ ላይላ ዝተጓዕዘቶ ናብ ሀምስተደ ንምምጻእ፥ ኣነ ካብ ኣርመንያ ን ሕብረተሰብ ካብ ዒራቕ እየ መጽአ።ክሳብ 2006 ምስ ሰብኣየይን ክልተ ኣዋልድ ደቀይን ይነብር ነይረ።ኣብኡ ናይ እንጅነር ትምህርተይ ተኻታቲለ ።ናይ እግልዘኛ ቋንቋ ድማ ኣብኡ ተማሂረ ።ብመኽንያት ምግእ ናይ  ዒራቅ  ናብ ኣለፖ ናይ ሶርያ ሃዲምና ። ይኹን እንበር ጥቅምቲ 2013  ካብኡ ውን ሃዲምና ።ድሕሪ ቅሩብ ግዜ ሰብኣየይ ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት (AZC) ተቀሚጡ ኣነውን ካብ መጋቢት 2014 ኣብ ሀምስተደ ይቅመጥ።
 
    ስለ'ዚ ክልተ ግዜ ተማዛቢልኪ ማለት ኢዩ።ከም ስደተና ኣብ ኣለፖ ሶርያ ከም ስደተኛ ኣብ ነዘርላንድ  ከመይ ተዋዳድርዮ,እንታይ ትብሊ ? "ክልተ ግዜ ምስዳድ  እወ።ኣብ ኣለፖ ኩሉ ሰብ ሓደ ዓይነት ቋንቋ ኢዩ ዝዛረብ ፡ብዙሕ ፍልሊ ኣለዎ።ኣብኡ ኖርማል ባዕልኻ  ገዛ ትካረ። ከም ስደተኛ ኣብ ካምብ ኣይትኣትውን ኢኻ ። ኣብኡ ድማ ብጠቅላላ ነብስድኻ ባዕልኻ ኢኻ ትኽእል።ኣብ ነዘርላንድ ግን ኩኡ ኢዩ ዝዳለውልካ ማለት ጽቡቅ ቀረባት ይገብሩልካ ግን ስራሕ ንኣብነት ኣይካኣልን ።ኣነ ንባዕለይ ኣብ ናይ ቮለንታሪ ስራሕ ኢየ ዘለኹ።
    ንኹሎም ሓደሽቲ ተቀምጦ ክብሎም ዝደሊ ፡ካንብ ማዕጾ ውጹ!ኣብ ገዛ ኣይትታዕጸዉ!ቮለንታሪ ሰራሕ ድለዩ።ምስ ነዘርላንዳውያን ተራኸቡ፡ምስኦም ተዛረቡ።ኣነ ባዕለይ ቀልጢፈ ናብ 'De Dorcas' ከይደ ቮለንታሪ ስራሕ ሓቲተ።እንግሊሽ ይዛረብ ኢየ ግን ኣብ'ቲ  መቀበሊን  ዋጋታት ናይ'ቲ ንብረትን  ኢየ ዝሰርሕ።ግን ኣብኡ ጽቡቅ ርክብ ነይሩኒ ምስቶም መሳርሕተይ፡ከምኡውን ብመኽንያት እዛ ድኳን  Dorcas፡ ዕዳጋ ሓራጅ ኣቅሑ ፡ምስ ብዙሓት ነዘርላንዳውያን ክላለ ኪኢለ።ኣብ ገዛውቶም እንታይ ይርከብ ? ቢትሮታት፡ብያትታት፡ኩርስታት፡ስእልታት፡ባዞ ፍዮሪ።ኣብ መንድቆም እንታይ ይስቀል? ጠቂስኪዮ ኣለኪ።ካብ ቃላት ምምሃር ሓሊፈ ብዙሕ ኢየ ተማሂረ ።ሕጂ ነዘርላንድ ጽቡቅ ይዛረብ ከም ኡውን ኣብ ድኳን ዓማውል ይሕግዝ።
 
 ኣነ ንዓኺ ክሰምዕኪ ከለኹ  ብጣዕሚ ጽቡቅ ነዘርላደ ኢኪ ትዛረቢ ።እዚ መበል ራብዓይ ቋንቋ ኣብ ሂወትኪ ዝተማሃርኪዮ ዲዩ? " እወ ሓቂ ኢዩ፡ግን ኣነ ከምዚ ዝስዕብ ኢየ ዝርኦ ፡ ነብሲ ወከፍ ሓድሽ ቋንቋ ሓድሽ ዓለም ኢዩ ዝኸፍተልካ ። ንዓይ ኣብዚ ሓድሽ ዓለም ቀዳምነት ንስድራይ  ደሓር ንዓይ ኢየ ዘቀድም  ነይረ። ሕጂ ግን ኣነ እንታይ ይደሊ ዝብል ኣርኣእያ ኣለኒ።ነዘርላንድ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ናጻ ዝኾነ ዓቢ ምርጫ ትህብ ኢያ።ኣነ ከም ዝተዕዘብኩዎ ብጉሉሕ ነዘርላንዳውያን ንሕደሽቲ ነበርቲ ጥራይ ዘይኮኑ ሕያወትን ተሓጋገዝትን ከምኡውን ንነገራት ለዋሃት ኢዮም።ከም እንስሳታት፡ፍዮሪታት፡ኣግራብ ብጽቡቅ ኢዮም ዝሕዝዎም።ብሓቂ ንኩሉ ከባብያዊ ተፈጥሮ ብጽቡቅ ይሕዝዎ።
 
  ንስኹም ናይ ጎሓፍ ትፋላልዩዎ ኢኹም!ብጥዕሚ ጽቡቅ ኢዩ።ብሽክልታ ኣብዚ ብጣዕሚ ጽቡቅ ኢዩ!ኣነ እንግሊሽ ስለ ዝኽእል ካብ መጀምርታ ኣትሒዘ ኣብ ነዘርላንድ ኣይተሽገርኩን ምጽሓፍ ግን ካልእ ኢዩ።ኣብ ጎደናታት ዘለው ጽሑፋት ፡ኣብ ድኳናት ዘልዉ ታቤላታት ።ወረቃቅትታት! ግን ኣበርቲዐ ኢየ ኣጽኒዐ ብደረጃ B1(Staatexamen) ስታትኤግዛመን ድማ ወድአ።
 
   ንኣብነት ተለቪዝን ነዘርላንድ ትርኢ ዶ? " እወ ሓደ ሓደ ግዜ ተለተክስቲ(Teletekst) ገጽ 888 ይውልዓ ኢየ።ንሱ ሕጋዚ ኢዩ ክትማህር ፡ነቲ ጽሕፍ ትሰምዖ ኣብኡ ከለኻ ድማ ተንብቦ።ናይ ኣዕራብ ፈነወ ኣይርእን ወይ ሳሕቲ ኢየ ዝርኢ።ኣካለይ ኣብ'ዚ ኣሎ ርእሰይ ውን ናይ ግድን ኣብ'ዚ ኣሎ ።ግን ቅሩብ ውሕስነት ንነብሰይ፡መኽንያቱ ገለ ክፋል ናይ ነፍሰይ ኣብ ዒራቅ ኢዩ ዘሎ።
  ዕላማ ናይ'ዚ ወብሳይት እንታይ ኢዩ? "ንሕና ኣብ'ዚ ሓደሽቲ ጉዳያት ከነቅምጥ ደሊና ኣሎና ፡ ዝኾነ ነገር ኣብ ሀምስተደ ዝጽወት ወይ ናበይ ትኻይድ ዝብሉ ነገራት፡ ወይ ድማ ኣገዳሲ ወይ ጠቃሚ ማለት ኣብ ሀምስተደ ንኽትነብር ዝሕግዝ ።ሓደ ክፍሊ ወይ ሰክሽን የድልየና ኢዩ ፈሊጥክዮ  ዶ? ' ብዛዕባ ታሪኽ ሀምስተደ ።ምኽሪ ውን የድልየና ኢዩ ብዛዕባ ኩኡ ኣብ'ቲ ወብሳይት ክኣቱ ዘልዎ ።ተስፋ ንገብር ድማ ሰባት ናብ'ዚ ወብሳይት ዝበጽሒሑ ምስ ሓሳቦም ክመጹ።ካብ ሓሳቦም ጠቃሚ ዝኾነ ሓሳብ ክርከብ ይኽእል ኢዩ።ኣብ ኩሉ ከባቢ ከምኡ ውን ብኣርባዕተ ቋንቋታት ይስደት!ንሕና ድማ ብኣርባዕቲኡ ቋንቋታት ከም ዝንበብ ንገብር።
 
 ላይላ፡የቀንየልና ከምኡ ውን ኣብ'ዚ ወብሳይት ዓወት ይምነየልኪ።ኣነ ድማ ብርግጺ  ብግቡእ ክካታተሎ ኢየ።
Ellen Bannink

ቃለ-ምሕተት ምስ ኢለን ( Ellen)

ካልእ ናይ እዚ መርበብ ሓላፊት
ኣብ ዝሓለፈ ቅሩብ ሳምንታት ምሰ ላይላ(Layla) ምልላይ ተኻይዱ ነይሩ።ሕጂ ድማ ምስ ካልእ ናይ ዚ መርበብ ሓላፊት ኢለን(Ellen) ክንዛራረብ ኢና።መኽንያቱ መርበብ ሓበሬታ ናይ ሓባር ስራሕ ኢዩ ላይላ(Layla) ንበይና ትሰርሖ ኣይኮነን።

ኢለን(Elen) ,መን ኢኺ ንስኺ፣ ብኸመይ ከ ኣብዚ ቦታ መጺእኪ፣

ሕራይ ፡ኣነ ሂወተይ ምሉእ ኣብ ሀምስተደ(Heemstede) ኢየ ዝነብር።ድሕሪ ናይ መድሃኒት መርማሪት ኮይነ ምስርሐይ፡ደቂ ደቀይ ኣብ ምእላይን ከምኡ ውን ቮለንታሪ ኣብ ናይ Ronald Mac Donaldhuis ኣብ ላይደን( leiden) ይሰርሕ።Ronald Mac Donaldhuis ማለት መንበሪ ቦታ ናይ ብከቢድ ሕማም ዝሓመሙ ደቆም ዝነብሩሉ ስድራቤታት ኮይኑ ናብ ሕክምና ወይ ሆስፒታል ዝቀረበ ወይ ጎረበይቱ ኢዩ። ከም ቮለንታሪ ሰራሕተኛ መጠን ዓራታት ተነጻጽፍ፡ትሓጽብ፡ከምኡ ውን ገዛ ትወጋግን ደስ ከምዝብል ትገብሮ።
ኣብ መሰከረም 2015 ብምምሕዳርና(Gemeente) ዝተዳለወ ናይ ሓበሬታ ምሸት ብዛዕባ ናይ ስደተኛታት ተሳቲፈ ነይረ።ኣብዚ ግዜ'ዚ ብዛዕብኡ ብዜና ብዙሕ ይበሃል ናይሩ፡ኣነ ድማ ምስ እዞም ሰባት ገለ ክገብር ነይሩኒ።ኣብቲ ሽዑ ምሸት እቲ ምምሕዳር ሓንቲ መድረኽ(platform) ምስ ኣቆመ ።ኣብዚ መድረኽ እዚ ድማ እጃምና ብኸመይ ነበርክት ተሓቲትና ።ኣነ ድማ ሽዑ ብቀጥታ ኣመልኪተ።
ብዛዕባ እዚ መድረኽ ስደተኛታት(platform vluchtelingen) ዶ ገለ ተወሳኺ ክትነግርና፣እቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዘሎ ዳርጋ ምሉእ ኣይኮነን።
ንሕና ነዞም ሓደሽቲ ተቀማጦ ናይ ሀምስተደ(Heemstede) ኣብ ገዘኦም ከምዘለዎም ኮይኑ ክስምዖም ንገብር።ንሕና ኣብዚ ምምሕዳርና ጽቡቅ ንኽነብሩ ኢና ክንሕግዞም ንደሊ።እዞም ናይ ኮምኒቲ ኣካየድቲ ናይ ስደተኛታት ንኹሉ ግዳያት ናይ መንበሪ ፍቃድ ዘለዎም ኢዶም ዘርጊሖም ይቅበልዎም ወይ ይተሓባብሩዎም ።እቶም ስደተኛታት ግዜ ኣብዘይብሎም ንሕና ክነሳልጠሎም ንደሊ።ብዙሕ ንጥፈታት ኢና ነካይድ ገለ ካብኡ ድማ ናይ ሻሂ መደብ፡ዝሮት ኣብ Meerpark ከም ኡ ውን ናይዚ ወብ ሳይት ምትዕርራይ።
እዚ መድርኽ(platform) እዚ ከባቢ 20 ዝኾኑ ቮለንታሪ ኣለዎ፡ግን ኣብ'ዚ ናይ ሓደ ምሸት ብሓንሳብ ዝተኣከብናኡ(ካልኣይቲ ሰኑይ ምሸት ናይ እቲ ወርሒ) መብዛሕቲኡ ግዜ ግን ሸሞንት ሰብኡት ወይ ኣንስቲ ኢና ንስተፍ።እቲ ሓደ ካብቲ ሓደ ይነጥፍ ከም ኩሉ ሰብ ማለት ኢዩ።ኢለን(Ellen) ትጽውዕ ኣላ።እንተ ዳኣ ኣብዚ ከነበርክት ወይ ክንሳተፍ ንደሊ ኢና ልኩም ፡ኣብዚ ናይ ምሸት እንገብሮ መደብ ምጹ ስምዑ ፡ተዛረቡ።እንተ ደኣ ከትመጹ ደሊኹም ብዚ ወብ-ሳይት ክትረኽቡና ትኽእሉ ።
ሲዒቡ ናይ ንኡሰ ኮሚተ ይመጽእ፡ቅድሚኡ ግን ንሕና ኣብ ኣብዚ ኣለና።ብኸመይ ኢኹም ነገራት ተቀምጥዎም፣
ባዕልና ኢና ንፈጥሮ ግን ብናይ ከባብያዊ ጋዜጣ ድማ ይጻረ ኢዩ።መብዛሕቲኡ ግዜ ሓደ ድሕሪ እቲ ሓደ ኢዩ ዝመጽእ።ብዝተኻእለ መጠን ሓበሬታ ብዛዕባ ጉዳያት ኣብ ጎረቤትካ ዘሎ ከምኡ ውን በዓላት ናይ ነዘርላደ ምስ ሓበሬትኡ ይህብ።ብፍላይ ድማ ናይ ናጻ ጉዳያት እንተሎ።ሰባት ገለ ነገር ዝገብሩሉ።መኽንያቱ ላይላ(Layla) ሓዳሽ ተቀማጢት ኢያ ካብ ደገ ወይ ወጻኢ ኢሮፓ ኢያ መጺኣ፡ንሳ ብዝተፈላለየ ዓይኒ ኢያ ትጥምት ካባይ ንላዕሊ።ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ዛዕባ(ኣርእስቲ) ኣብ ምምራጽ ወይ ድማ ዝተሓላልኸ ከይከውን ባዕላ ክትትል ትገብረሉ።
ብዝኾነ ሓሳባት የድልየና ኢዩ።ናይ ምጽሓፍ ጸገም የብሉን፡ኣነ ይገብሮ ኢዩ ፡ግን እቲ ኣገዳሲ ነገር ብዛዕባ እንታይ ትጽሕፍ ኢዩ።እቲ ጽቡቅ ነገር ናይዚ ወብ-ሳይት ኩሉ ኢቲ ጽሑፍ ብዓረበኛ ፡ኢንግሊዘኛ ፡ትግሪኛ ስለ ዝትርጎም ኢዩ።
ብሓፈሽኡ ፡ብዙሕ ግብረመልሲ ትረኽቡ ዶ፣
ብመንገድ እስታተስቲክስ እዚ ወብ-ሳይት እዚ ብዙሓት በጻሕቲ ኣለውዎ ፡ ግን ሰብ ከመይ ረኺብዋ ኣፈለጥናን ዘለና።
ሓደ ወብ-ሳይት ናይ ተክኒክ ጉዳይ ውን ኣለዎ ።ንስኹም ብከመይ ትሰርሕዎ፣
እዚ ወብ-ሳይት ብተማሃሮ ላዕለዋይ ትምህርቲ ሃርለም(Haarlem) ብኣላይነት ሓደ መምህር ኢዩ
ማዕቢሉ ተሰሪሑ ።እዚ ማለት ድማ ዋላ እቲ ምትዕርራይ ብኣኣቶም ኢዩ ዝካይድ።ይኹን ደኣ እምበር እዞም ናይ ላዕለዋይ ትምሕርቲ ነዚ ምትዕርራይ ብሞያዊ ክእለት ኢዮም ዝሰርሕዎ።
ኣብዚ ስራሕ እዚ ብዙሕ ግዜ ዶ ትጥፍኢ፣
ላይላን ኣነን ሓንቲ ክፋል መዓልቲ ቀዋሚት ኣብ ሰሙን ብሓንሳብ ኮይና ኣርእስቲ ንመርጽ ከምኡ ውን መደብ ንገብር።ቀጺሉ እቲ ዝተመርጸ ይጸሓፍ ወይ ኢዲት ይግበር።ኣነ ንኹሉ ናይ ነዘርላንድ ጽሑፍ ሓላፍነት ይወሲድ።ድሕርኡ ላይላ ብዛዕባ ናይ ምትርጋም ትካታተል።ከምኡ ውን ናይ ተክኒክ ጉዳይ ኣነ ይካታተሎ።እቲ ሰሙን ድማ ጽቡቅ ይኸውን።